
ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከብ ቤተ-መዘክር ብነጻ ምብጻ

ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት
ናይ ቤተ-መዘክር ትኬት ንመን ይወሃብ?
ንኹሎም ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ስደተኛታትን ተሓጋገዝትን
ናይ ቤተ-መዘክር ትኬት ንምርካብ ብኸመይ ክሓትት ይኽእል?
ብዙሕ ናይ ኣብያተ-መዘክር ትኬታት ንምርካብ ክሓትት ይኽእል ድየ?
ኣብ ነፍስወከፍ ናይ ተግባር ካርድ ክልተ ብቚዓት ትኬታት ኣለዉ። ምስ ብዙሓት ሰባት ክትከይድ እንተድኣ ኮይንካ፣ ብዙሕ ትኬታት ንምርካብ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
እቶም ትኬታት ንኽንደይ ዝኣክል እዋን እዮም ብቚዓት ኮይኖም ዝጸንሑ?
እቲ ዕድመ ክሳብ እቲ ኣብ ዳሕረዋይ ሸነኽ ተጠቒሱ ዝርከብ ዕለት ዘገልግል እዩ።
ስለምንታይ እዚ ተግባር?
ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ውልቀ-ሰብ ናይ ገዛእ-ርእሱ ድምጺ፣ ናይ ገዛእ-ርእሱ ርእይቶ ዝፈጥረሉ ቦታን፣ ከምኡ እውን ነዚ ዝገልጸሉ ናጽነትን ኣለዎ። እዚ ድማ ከም ንቡር ክውሰድ ዘይክእል ዓቢይ ዓወት እዩ። ኣብ ገሊአን ሃገራት፣ ካብ ናይቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት ዝፍለይ ርእይቶ እንተድኣ ገሊጽካ ብዛዕባ ህይወትካ ርግጸኛ ኣይኮንካን። ሰባት ብሰንኪ ጾታዊ ዝንባለኦም፣ መበቆሎም ወይ ሃይማኖቶም እውን ይስደዱ እዮም። ህይወቶም ንምድሓን ድማ መበቆል ሃገሮም ገዲፎም ኩሉ ነገር ማለት ስድራ፣ ፈተውትን ንብረትን ገዲፎም ይኸዱ። ገለ ካብኣቶም ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ዕቚባ ይረኽቡ። ኣብዚ ኸኣ ብውሕስነት ሓድሽ ህይወት ክሃንጹ ይኽእሉ።