language

Frans Hals Museum

Frans Hals Museum

ቤተ-መዘክር ፍራንስ ሃልስ፣ ናይ ሃርለም ናይ ስነ-ጥበብ ቤተ-መዘክር እዩ። ኣብዚ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ እካብ ቅብኣታት ናይ ፍራንስ ሃልስ ክትረኽቡ ኢኹም፣ ጎኒ ምስኡ ድማ ናይ ከም በዓል ዩዲዝ ሌስተር [Judith Leyster]፣ ኮርነሊስ ቫን ሃርለም [Cornelis van Haarlem]፣ ከምኡ እውን ያኮብ ቫን ራውስዳል [Jacob van Ruisdael] ዝኣመሰሉ ናይ ካልኦት ፍሉጣት ስነ-ጥበባውያን ሃርለም ስርሓት እውን ክትረኽቡ ኢኹም። ግን ድማ ስርሓት ናይ ፒት ሞንድርያን [Piet Mondriaan]፣ ቻርሊ ቶሮፕ [Charley Toorop]፣ ከምኡ እውን ሪነከ ዳይክስትራ [Rineke Dijkstra] ዘጠቃልል፣ ካብ 1880 ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ሃብታም እካብ ስነ-ጥበብ እውን ክትረኽቡ ኢኹም። ምስቲ ኣብ ማእከል ጥንታዊ ውሽጢ ከተማ ሃርለም ኣብ ክልተ ውቁባት ታሪኻውያን ህንጻታት ዝርከብ ናይ መበል 16ን 17ን ክፍለ-ዘመን፣ ዘመናውን እዋናውን ስነ-ጥበብ ተራኸቡ።

መወከሲ

Frans Hals Museum
Groot Heiligland 62
2011 ES Haarlem
www.franshalsmuseum.nl

HET GROOT HEILIGLAND

እቲ ናይ መበል 17 ክፍለ-ዘመን ቤት ኣረጋውያን ሰብኡት ኣብ ኽሮተ ሃይሊኽላንድ [Groot Heiligland] ዝርከብ ኮይኑ፣ ሃዋህው ዝመልኦም ኣደራሻት ቤተ-መዘክር፣ ናይ ምስሌነታት ብሕታዊ ክፍሊታት፣ ናይ መበል 18 ክፍለ-ዘመን ኣሻንጉሊት-ቤትን ውቁብ ናይ ውሽጢ ጀርዲንን ድማ ኣለዎ። ኣብዚ፣ ብዘይካ እቶም ብፍራንስ ሃልስ ዝተሰርሑ ፍሉጣት ቅብኣታት፣ ካልእ ጥንታዊ፣ ዘመናዊን እዋናውን ስነ-ጥበብ እውን ክትዕዘቡ ትኽእሉ ኢኹም። ንገዛእ-ርእስኹም ንድሕሪት ተመሊስኩም፣ ፍራንስ ሃልስ ንባዕሉ ኣብቲ ግዜ ብእግሩ ዝሓልፎ ኣብ ዝነበረ ቦታ ከምዘለኹም ገይርኩም ሕሰቡ። ቤተ-መዘክር ፍራንስ ሃልስ፣ ኣብቲ ኣብ ኽሮተ ማርክት [Grote Markt] ዝርከብ ናይ መበል 17 ክፍለ-ዘመን ኣደራሽ-ስጋ [Vleeshal] ብቐጻሊ ምርኢታት ዘመናውን እዋናውን ስነ-ጥበብ የዳሉው እዩ። ክልቲኦም ቦታታት ካብ ነንሓድሕዶም ኣስታት 7 ደቓይቕ ብእግሪ ርሒቖም ዝርከቡ ኮይኖም፣ ንኽልቲኦም ብሓደ መእተዊ ትኬት ክትበጽሕዎም ትኽእሉ ኢኹም።

መወከሲ

Het Groot Heiligland
Groot Heiligland 47
2011 EP Haarlem
www.verweymuseumhaarlem.nl