language

Singer Laren

Singer Laren

ኣብ 1901 ኣመሪካውያን መጻምድቲ ዊልያምን ኣና ሲንገርን ናብ ሰፈራ ስነ-ጥበባውያን ላረን [Laren] መጺኦም። እቲ ኣብኡ ዝሃነጽዎ ቪላ ድማ መሰረት ናይቲ ድሒሩ ቤተ-መዘክር ሲንገር ላረን [Singer Laren Museum] ዝኾነ ኮነ። ኣብዚ ኣብ እዋን ምዕንባብ ዘመናዊነት ናይ ኔዘርላንድ ዝተሰርሑ ስራሓት ክትዕዘቡ ትኽእሉ ኢኹም፣ ናይ ዓበይቲ ስነ-ጥበባውያን ከም በዓል ያን ስላውተርስ [Jan Sluijters]፣ ቻርሊ ቱሮፕ [Charley Toorop]፣ ኬስ ቫን ዶንገን [Kees van Dongen]፣ ሊዮ ኸስተል [Leo Gestel] ከምኡ እውን ባርት ቫን ደር ሌክ [Bart van der Leck]። እቲ እካብ ብዘይካ ኣብ ወረቐት ዝተሰርሑ ስራሓት ቅብኣ፣ ብርክት ዝበሉ ውቁባት ቅርጻታት ዝሓዘ ኮይኑ፣ ሸውዓተ ስርሓት ናይ ኣውጉስት ሮዲን [Auguste Rodin] ድማ ይርከብዎም።

መወከሲ

Singer Laren 
Oude Drift 1
1251 BS Laren 
www.singerlaren.nl