language

Wereldmuseum Amsterdam

Wereldmuseum Amsterdam

ትሮፐንሙዚየም [Wereldmuseum Amsterdam] ብዛዕባ ባህልታት ዓለም ዝገልጽ ቤተ መዘክር ኮይኑ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ሓደ ካብቶም ውቁባት ህንጻታት ቤተ-መዘክር ዝርከብ እዩ። እቲ ኣብ ኦስተርፓርክ [Oosterpark] ዝርከብ መሳጢ ሃገራዊ ሓወልቲ ድማ ካብ 1926 ዝጀመረ እዩ። እቲ ዕዙዝ ኣዳራሽ ብርሃን [Lichthal]፣ እቲ ቤተ-መዘክር እንታይ ከም ዘቕርብ ሰፊሕ ትርኢት ዝህብ እዩ፡ ሰፊሕ ቀዋሚ ምርኢትን ብቐጻሊ ዝቕየሩ ምርኢታትን። ዛንታታት ብዛዕባ ከም በዓል ሓዘን፣ ምጽንባል፣ ምውቃብ፣ ጸሎት ወይ ባእሲ ዝኣመሰሉ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ ቴማታት። ብዛዕባ እቲ ዓለም እተቕርቦ ዓቢ ባህላዊ ብዙሕነት ንኽፈልጥ ህንጡይነት ከም ዝሓድረካ ዝገብሩ ድማ እዮም። ኣብ ትሮፐንሙዚየም ብዘይካ እቲ ፍልልያትና፣ ኩላትና ሓደ ምዃንና ክትረኽብዎ ኢኹም፡ ደቂ ሰባት ምዃንና።

መወከሲ

Wereldmuseum Amsterdam
Linnaeusstraat 2
1092 CK Amsterdam
www.amsterdam.wereldmuseum.nl