
ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከብ ቤተ-መዘክር ብነጻ ምብጻሕ
ተወሳኺ ኣንብብ →
ስለምንታይ እዚ ተግባር?
ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ውልቀ-ሰብ ናይ ገዛእ-ርእሱ ድምጺ፣ ናይ ገዛእ-ርእሱ ርእይቶ ዝፈጥረሉ ቦታን፣ ከምኡ እውን ነዚ ዝገልጸሉ ናጽነትን ኣለዎ። እዚ ድማ ከም ንቡር ክውሰድ ዘይክእል ዓቢይ ዓወት እዩ። ኣብ ገሊአን ሃገራት፣ ካብ ናይቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት ዝፍለይ ርእይቶ እንተድኣ ገሊጽካ ብዛዕባ ህይወትካ ርግጸኛ ኣይኮንካን። ሰባት ብሰንኪ ጾታዊ ዝንባለኦም፣ መበቆሎም ወይ ሃይማኖቶም እውን ይስደዱ እዮም። ህይወቶም ንምድሓን ድማ መበቆል ሃገሮም ገዲፎም ኩሉ ነገር ማለት ስድራ፣ ፈተውትን ንብረትን ገዲፎም ይኸዱ። ገለ ካብኣቶም ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ዕቚባ ይረኽቡ። ኣብዚ ኸኣ ብውሕስነት ሓድሽ ህይወት ክሃንጹ ይኽእሉ።
VluchtelingenWerk Nederland፣ Cultuur Fonds፣ Vriendenloterij ከምኡ እውን ልዕሊ 150 ኣብያተ-መዘክር ኔዘርላንድ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ንዝርከቡ ስደተኛታት ሓደ ወይ ልዕሊኡ ካብ ባህላዊ ድሙቓት ነቚጣታት ሃገርና ንኽበጽሑ ንምዕዳም ኢድ ንኢድ ተሓባቢሮም። በዚ መንገዲ ኸኣ ምስ ታሪኽ፣ ስነ-ጥበብ፣ ባህሊ፣ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ግን ድማ ምስቶም ኣብ ታሪኽ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ጸለምቲ ምዕራፋት እውን ይላለዩ። ብኸምዚ ድማ ምስታ ግዜያዊት ወይ ናይ ኩሉ ግዜ ሓዳስ ቤቶም ዝኾነት ሃገር ይፋለጡ።